መልእኽቲ ካብ ዋና ኣቦ ወንበር
ዝኽበርኩም አባላት ማሕበር ተጋሩ ሲውዘርላንድ ፈለማ ትግራዋይ ልባዊ ሰላምታይ፣ ውልቃዊ ዓወት: ስድራዊ ዕብየት: ንሃገረ ትግራይ ስላም፣ ራህዋ፣ ምዕባለን ክከውን ሰናይ ትግራዋይ ተምኒተይ ይብፃሕኩም::
ዝኽበርኩም አባላትና አብህሉፍ ዓመታት ሓድነትኩም አስጢምኩም ዝስራሕክምዎ ብዙሓትን ዓበይትን መድባት አብዛ ሓፃር ፅሑፍ ዝርዚርካ ዝውዳእ አይኮንን። ንዓኩም ዘለኒ ክብሪ ዝለዕለ ምኾኑ ጥራይ ሓቢረ እቲ መስተንክራዊ ሕሉፍ ስራሕትኩም ንፀሓፍቲ ታሪኽ ክገድፍሎም። እቲ አብዚ ሓፂር እዋን ዝስራህኩምዋ መስተንክራዊ ውርቃዊ ታሪኽ ግን ክይተወከስካ ምስጋራ ከቢድ ስለዝኮነ ቁሩብ ክብል። መሰሎም ትሕሉ መሰላ ግን ዘይሕሎ ተባሂሉ ዝተዘይመላ ትግራይ አብ ታሪኽ እዛ ሃገር ካብ ውሽጢ ኮነ ወፃኢ ንዝመፅኡ ኩሎም ተፆብኦታት አብምምካት፣ መበገሲ ምዕባለ፣ ቋንቋ ; ስነ ፅሑፍ ስነ ዜማ፣ ሃይማኖት፣ እንታይ’ሞ ዘርዚርካ ክውዳእ። ብፍላይ ክዓ አብዚ ሓፂር እዎን ቀየሕትን ፀለምትን ደቃ ልዕሊ 60 ሽሕ ብመስዋእቲ ልዕሊ 200 ሽሕ ብእካለዊ መግዳእቲ ክፊላ ነዛ ሃገር ስላም፣ ልምዓት ዕብየት ዘውሓስት ትግራይ ዳግም ዝተጠለመትሉ እዋን እዩ።
ክንዲ ዘኮለስኩ ኮይኑ ፋሽሽቲ ስርዓት ብልፅግና መሻርኽቱ ስርዓት ህግድፍ ተስፋፋሕቲ ሓይልታት አምሓራ ኮመርቲ ሃገራት ሳውዲ ዓረብያን ስማሊያን ካልኦትን ሃዊሶም፣ ድምፂ ህዝብና ንከይስማዕ ንኩሎም መራኽቢቲ ሓፉሽ ዓፅዬምን ምፅናት ዓሌት አዊጆምን ብኩሎም አንፍታት አብ ዓለም ተራእዮን ተስሚዑን ዘይፈለጥ ግፍዕታት እንትፍፅሙ ንሱኹም አባላት ማህበር ተጋሩ ሲውዘርላንድ ቀትርን ለይትን፣ ፅሓይ; ቁርን በረድን፣ መዓልታዊ ናብራኹምን ኩነታዊ ተፆብኦታትኩም ከይዓገተኩም ድምፂ ህዝብኹም ብምኾን ዓለም አብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክትብል ዲፕሎማሳያዊ ዓወት ክርከብ ናትኩም እጃም ዝለዓለ እዩ።
ከምኡ’ውን ብሰንኪ ግፍዓኛታት ሓይልታት ንስደት ጥምየትን ፀገምን ዝተቃልዐ ህዝብና ብፋይናንስ ንዋትን ብምሕጋዝ ዝስራህኩሞን ህጅውን እትስርሕዎ ዘለኹም ስራሕቲ መኽተ ብነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዝዝከር መስተንክራዊ ታሪኹም እዩ።
አብ ዳግመ ምሕዎይ; ምህናፅን ምዕባይን ትግራይና አባላት ማህበር ተጋሩ ሲውዘርላንድ ዝያዳ ሓድነትና ኣስጢምና ካሊእ ተወሳኺ ታሪኽ ክምንስርሕ ምስ ሙሉእ እምነተይ እዩ።
ሓደሽቲ ኣመራርሓ ማሕበርና ነዚ ታሪኻዊ ግዜን መድረኽን ንክነተሓባብር ኣሚንኩም ሓላፍነት ሰለዝሃብኩና ካብ ልቢ እናመስገና ምስ ህዝብና እናዘተናን መደባት እናሃንፀፅናን ዕውታት ስራሕቲ ከምንሰርሕ ቃል ንኣቱ::
ሓድነትና ዝያዳ አስጢምና መኪትና ዳግም ሃኒፅናን
ትግራይና ምዕብልቲ ክንገብራ ኢና።
ዮሃንስ አድሓኖም
ተልእኾ
ኣብ ሃገረ ስዋዘርላንድ ንዝነብሩ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ምግልጋል፣ ምሕጋዝን ድሌታቶም ምስላጥን እዩ። ዕላምኡ ድማ መናእሰይ፣ ዓበይትን ኣረጋውያንን ዝሳተፉሉ፤ ንምዕባለ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ባህላውን ምትእስሳር ኣስተዋፅኦ ምግባር ይኸውን፡፡ መጸውዒ ሱም እዚ ማሕበር ድማ “ማሕበር ተጋሩ-ነበርቲ ስዊዘርላንድ " ዝብል ይኸውን።
ዕላማ
ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ነበርቲ ስዊዘርላንድ ስጡም ሓድነትን ምትሕልላይ ዝመልኦ ሕውነታዊ ስምረት ምፍጣር :: ከምኡ'ውን ታሪኽና ምጉላሕን ቃንቃናን ባህልናን ንክንመሃርን ከነማዕብልን ምስራሕ :: ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ኣብ ዝገብሮ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ወሳናይ ቃልሲ ኩሉ ምደያዊ ሓገዝ ምግባርን ከምኡ'ውን ናይ'ዚ ማሕበር ኣባላት ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ናይ ልምዓት ተሳተፍትን ተጠቀምትን ዝኾኑሉ መንገዲ ምፍጣር ይኸውን :: ማሕበርና ኣብዚ እዋን 'ውን እንተኾነ ብግዜን ቦታን ካልኦት ኩነታትን ከይተገደብ ኣብ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ናይ ገንዘብን : ንዋትን ሞራልን ድጋፉኣብ ምሃብ ይርከብ :: እዚ ድማ ካብቲ ዝተመስረተሉ ዕላማታት ሓደ እዩ:: ንመጻኢ ከምዚ ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ኣበርቲዑ ከም ዝስርሕ ቃል ይኣቱ ::